ድሕሪ ሕርሲ

እንቋዕ ማርያም መሓረትክን!

ናይ donum vitae ናይ ጥንሲ ኣማኸርትክን ድሕሪ ሕርሲ እውን እንተኾነ ግዚኤን ወሲደን ሕቶታትክን ክምልሳ ድልዋት እየን።

1. ልክዕ ድሕሪ ሕርሲ ብዙሓት ዝሳለጡ ነገራት ኣለው። እቲ ቀንዲ ነገር ኣብቲ ፋልማይ ሰሙናት ግን ኣደን ህጻንን ዕረፍትን ሰላምን ክረኽቡ ኣለዎም። ድሕሪ ሕርሲ እውን እንተ ኾነ እታ ኣደ ጸጸኒሑ ዝመጽእ ቓንዛ ሕርሲ፡ ሓደ ሓደ እዋን ከኣ ኦሞሮድዮ፡ እንዳ ሓወየ ዝኸይድ ናይ ሕርሲ ቁስሊ፡ ካብ መጠን ንላዕሊ ምርሃጽን ጸባ ካብ ጡብ ክወጽእ ከሎ ኣዝዩ ዘቐንዙ ኩነታትን ከጋጥማ ይኽእል እዩ። በቲ ጥንሲ ዝመጸ ለውጢ ኣካላዊ ስርዓት ናብ ቦትኡ ስጋብ ዝምለስ ሰሙናት ክወስድ ይኽእል እዩ። ስቕ ኢልክን ትሓርቃ ወይ ዘይሑጉሳት እንተ ኾንክን እውን ካብኡ ዝብገስ ስለ ዝኾነ ንቡር ኩነታት እዩ። እንተ ደኣ ንነዊሕ እዋን ዝቕጽል ዘይልሙድ ባህርያት ከም ሞራልካ ምውዳቕን ጭንቀትን ፈጢሩልክን ግን ናብ ኣማኸርትኽን ወይ ሓኪምክን ወይ ንሄብ ኣመኽን እንተ ተወከስክን ዝተመርጸ እዩ።

2. እታ ሄብ ኣመኽን ኣብ መጀመርያ ድሕሪ ሕርሲ እንዳ ተመላለሰት ክትከታተለክን እያ። ኩነታት ጥዕና እታ ኣደ ኣብ ንቡር ክምለስ እንከሎ፡ ምዕባለ እቲ ህጻን፡ ኣብ ምጥባው ዝኣመሰሉ ባእታታት ትከታተል። ህጻን ምስ ተወለደ ክሕቆፍን ጨና ኣደ ከስተማቕርን ኣድላዪ እዩ። ኣብ መጀመርያ እቲ ህጻን ቅሩብ ንዕኡ ግና ኣጽጋቢ ጸባ እንዳ ጸንሐ ይጠብው። ኣብቲ መጀመርያ መዓልቲ ድሕሪ ሕርሲ ህጻናት ክብደት ክቕንሱ ንቡር እዩ። ቀጻሊ ህጻናት ምስ ዝሕቆፉ ሰውነት ኣደ ነቶም ሆርሞናት ነጋጊፉ ጸባ ከም ዝምንጭው ይገብር። ጸባ ምውጻእ እንተ ኣብዩክን ከኣ ብዙሕ ኣይትሰከፋ። ኣብ ጀርመን ምስ ጸባ ኣደ ዝነጻጸርን ዘድልዮም ምኣዛታት ዝዕንግልን ምግቢ ህጻናት ኣሎ። በዚ ኣገባብ ድማ ህጻናት ብግቡእ ክዓብዩ ይኽእሉ። ተመሳሰልቲ ጸገማት ምስ ዘጋጥምክን ንሄብ ኣመኽን ወይ ንኣማኸርቲ ምጥባው ተወከሳ።

3. እቲ ህጻን ግቡእ ናይ ክንክን ሕክምና ክገብር ናብ ሓኪም ህጻንክን ውሰድኦ። እዚ U1 ዝበሃል መርመራ ልክዕ ህጻን ምስ ተወልደ ይግበር፡ U2 ድማ ኣብ መንጎ 3ን 10ን መዓልታት ድሕሪ ሕርሲ ይግበር U3 ከኣ ካብ 3 ወይ 4 ወርሒ ድሕሪ ሕርሲ። እታ/እቲ ሓኪም ህጻን ንኹሉ ውጽኢት መርመራታት እትምዝግብ ሓንቲ ብጫ ደብተር ክትህበክን ወይ ክህበክን እዩ። ንውሕስነት ሓደጋ ሞት (SIDS) መታን ክኽበር፡ ህጻን ኩሉ ግዜ ኣብ ናቱ ዓራት ብናቱ ኮቦርታ (ብዘይ ተወሳኺ ኮቦርታ)፡ ብዘይ ዝሕቆፉ ባምቡላታት፡ ብዘይ መተርኣስ፡ ብሕቖኡ ጥራይ ኣደቅስኦ። ህጻን ደቂሱ ከሎ ሙቖት ከይኮኖን፡ ሽጋራ ዘትክኽ ሰብ ኣብ ገዛ እንተ ኣሎ ድማ ካብ ትኪ ሽጋራ ነጻ ከም ዘስተንፍስ ግበራ። ምጥባው እውን ሓደ ርእሱ ዝኸኣለ ክንክን ህጻን እዩ። ብኸምዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ዓይነት ክንክን ህጻን፡ ኣብ ጀርመን ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብኣስታት 80% ናይ ሞት ሓደጋ ክጎድል ክኢሉ።

4. ጥዕና ህጻን ጥራይ ዘይኮነ ጥዕና ኣደ እውን ኣገዳሲ ስለ ዝኾነ ዝተፈላለየ ማኣዛታት ዘለዎ ምምጋብን ብዙሕ ፈሳሲ ምዝውታርን ከምኡ ድማ ሰላምን ዕረፍትን ከድልየክን እዩ። ናይ ሕቖ ጂምናስቲክ ብኸመይ ኣገባብ ከም ትገብራ ድማ ነታ ሄብ ኣመኽን ሕተታ። ምናልባሽ ቀልጢፍክን ክም እንደገና ክትጠንሳ ዘይትደልያ ኮይንክን ምስ መጻመድትኽን ብዛዕባ ክንክን ጥንሲ እንተ ተመያየጥክን ዝሓሸ እዩ። እተን ኣማኸርቲ ሕንሲ ድማ ብዛዕባ መከላኸሊ ጥንሲ ዝምልከት ዝኣክል ሓበሬታ ክህባኺን ክሕግዛኽን ይኽእላ እየን።

5. ጡብ ኣብ ተጥብዋሉ እዋን ማህጸንክን ምሉእ ብምሉእ ድቂ ክሕዝ ኣይክእልን እዩ ክበሃል ኣይከኣልን እዩ። ብፍላይ ድማ ብመጥባሕቲ ምስ ትሓርሳ ኣብ ዳግማይ ጥንሲ፡ እንተ ሓጸረ ክሳብ ሓደ ዓመት እንተ ተጸበኽን እዩ ዝምረጽ። ድሕሪ ሕርሲ ካልኣይ ጥንሲ ከይሕዘክን እንተ ደሊኽን ውሑስ መንገዲ ኮንዶም ምጥቃም ወይ ከኣ ሉፕ (Diaphragma) እዮም። ሆርሞን ዝልውጡ (Östrogenhaltig) ዓይነት ፈውሲ ጥንሲ ኣብ እዋን ምጥባው ህጻን ክትጥቀሙሉ ኣይግባእን እዩ። ካልኦት ቀጻሊ ዝውሰዱ መድሃኒት ፈውሲ ጥንሲ (Gestagenhaltig) ከም Minipille, die Hormonspirale, das Hormonimplantat ከምኡ ድማ die Dreimonatsspritze ብመሰረቱ ጠቐምትን ቅቡላትን እዮም። ንኣጠቓቕመኦም ዝምልከት ምስ ሓኪምክን ተመያየጣ።

6. ውላድኩም ምናልባሽ ብዙሕ ዘየሸግር ክኸውን እዩ። ገሊኦም ህጻናት ግን ኣብ መጀመርያ ሰላም ዘይህቡን ብዙሕ ዝበኽዩን ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። ጨና ኣደ ክቐስሙ ብዙሕ ክትሓቕፍኦምን ዝደልይዎ ነገራት ክትልግሳሎም ዝበለጸ እዩ። ሓድሽ ዝተወልደ ህጻን ገና ስለ ዘሎ ቀበጥበጥ ከይብል ኢልክን ኣይትሕሰባ። በዚ ፍቕሪ ዝዓሰሎ ጥጡሕ መንገዲ ህጻን ምስ ዝዓቢ ጥራይ እዩ ተኣማንነት ኣብ ወለዱን እዛ ዓለምን ከሕድር ዝኽእል። እዚ ተኣማንነት ከኣ ሰንደቕ ዕላማ ናይ ውሑስ ምዕባለ እዩ። ውላድክን ብዙሕ ምስ ዝበኪ ካብ ዓቕምኽን ንላዕሊ ምስ ዝኸውን ድማ ሓገዝ ናይ ሄብ ኣመ ወይ ከኣ ናይ ኣማኸርቲ ጥንሲ ክትወስዳ ትኽእላ ኢኽን። ልዕሊ ዓቕሚ ምስ ዝኸውንን ስክፍታ ምስ ዝብእስን ናብ ተስፋ ሙቕራጽን ቁጠዐን ክቕየር ይኽእል እዩ። ኣብ ከምዚ ዓይነት ፍሉይ ኩነታት ምስ ትኣትዋ ነቲ ህጻን ኣብ ውሑስ ቦታ (ዓራቱ) ኣቐሚጥክን ካብቲ ክፍሊ ተኣሊኽን ማዕጾ ዓጺኽን ሓንሳብ ክሳብ ትዝሕላ ንቑሩብ ደቓይቕ ንደገ ውጻ። ምኽንያቱ ኣብ ከምዚ ኩነታት ሓደ ሓደ ግዜ ወለዲ ብሓጺር ውሳኔ ነቲ ህጻን ስቕ ስጋብ ዝብል ይንውንውዎ እሞ፡ እቲ ተኣፋፊ ሓንጎል ህጻን ኣብ ክሓዊየሉ ዘይክእል ስንክልና ዘእቱ ሓደጋ የጋጥም እዩ። ኣብ ጀርመን ንኸምዚታት ከወግድ ዝኽእል ጽቡቕ ናይ ኣደን ውላድን ሓገዝ መንገድታት ኣሎ። ገለ ካብኣቶም ሓደስቲ ህጻናት ዝዓብዩሉ ቦታታት፡ ዩገንድ ኣምት፡ ኣለይቲ ስድራቤት፡ ሓገዝቲ ስድራቤት ብፍላይ ድማ ናይ ጥንሲ ኣመኻሪትኪ ምኽርን ሓበሬታን ክትህበክን ወይ ናብ ዝምልከቶ ቦታ ክትወስደክን ትኽእል እያ። ብኣጋ ሓገዝ ምድላይን ናብ ክኢላታት ምኻድ ምስ ድፍረትን መንፍዓትን ደኣምበር ምስ ድኽመት ዝቑጸር ነገር ኣይኮን!

7. ምስላጥ፡ ድሕሪ ሕርሲ እውን ብዙሕ ዝሰላሰል ነገራት ኣሎ። ክብሪ መዝገብ እቲ ህጻን ኣብ ማዛጋጃቤት ኬድክን ትወስዳ (ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ኣብቲ ዝሓረስክናሉ ክሊኒክ)። ናይ ግብሪ መኽፈሊ ቁጽሪ እቲ ህጻን (Steuer ID) ድማ ምስ መጻክን ኣብ ጽቡቕ ኣቐምጥኣ እታ ደብዳቤ። ብድሕሪ እዚ ናብ ኢሚግረሽን (BAMF)፡ ጆብ ሰንተር፡ ናብ ሶሻልክን፡ በዓል ስራሕ እንተ ኮይንክን ድማ ኣብቲ ናይ መድሕን ትካልክን ኬድክን ከም ዝወለድክን ሓብርኦም። መሰል ናይ ህጻን ክፍሊት፡ ናይ ስድራ ክፍሊት፡ ናይ ገዛ መንበሪ ክፍሊት፡ ናይ ባየር ኣላይነት ክፍሊት (ኣብ ባየር ጥራይ) ምስ መንበሪ ወረቐትክን ዝተሓሓዝ እዩ። ነዚ ዝምልከት ሕቶታት ምስ ዝህልወክን ንኣማኻሪትክን ተወከሳ። ናይ ኣቦነት ተፈላጥነት ኣብ እዋን ጥንሲ እንተ ዘይኣተግቢርክንኦ (ብዘይ ቃል-ኪዳን እንተ ወሊድክን ጥራይ)፡ ናብ ምምሕዳር ወይ ዩገንድ ኣምት ብምኻድ እቲ ህጻን ብስም ኣብኡ ከም ዝጽዋዕ ክትገብራ ትኽእላ ኢኽን። ብዛዕባ ዘሎ ናይ መውዓሊ ህጻናት ቀረብ ሓበሬታ ውሰዳ። ምኽንያቱ መብዝሕትኡ ግዜ ብሻቡ ኣቐዲምክን ከተምዝግብኦ ስለ ዘለክን።