ውላድ እንተ ኣብዩክን

  • ክትወልዳ ትደልያ ዲኽን፧
  • ግን ከ ክትጠንሳ ኣይከኣልክንን ወይ ጥንሲ ምሓዝ ኣብይክን፧
  • ኣብ ከምዚ ኩነታት ከለኽን ብኸመይ ኣብ ጀርመን ሓገዝ ክትረኽባ ከም ትኽእላ ሓርቢቱክን፧

ብዙሓት ጽምድታት ውላድ ይምነዩ እዮም። እንተ ወሓደ ሓደ ዓመት ምሉእ ቀጻልን ብዘይ መከላኸልን ጾታዊ ርክብ ፈቲኖም ከብቅዑ ጥንሲ እንተዘይተፈጢሩ፡ ዝኾነ ናይ ድቂ ምሓዝ ወይ ምምካን ጸገማት ከምዘሎ ርዱእ እዩ። እቲ ምኽንያት ናይዞም ጸገማት ድማ ወይ ኣብ ወዲ ተባዕታይ ወይ ኣብ ጓል ኣንስተይቲ ክኸውን ይኽእል እዩ። ምናልባሽ ናይ ዕድመ ጸገማት፡ ናይ ሆርሞን ጉድለታት ወይ ድማ ካብ ወለዶ ዝመሓላለፍ ምኽነት ወይ ውን ረኽሲ ማህጸን (ኢንፈክሽን) ገለ ካብቶም ንጥንሲ ዝዕንቅጹ ጸገማት እዮም።

መብዛሕትኡ እዋን እቲ ዝቐለለ ዝሓጸረን መንገዲ ስለ ዝኾነ ኩነታት ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ እዩ ዝምርመር። እቲ መርመራታት ናይ ጓል ኣንስተይቲ ግን ብዙሕ መሰናኽል ዝዓሰሎን ብደቂቕ ኣተክሮ ዘድልዮን ኩነታት እዩ።

እቲ ጸገም ድቂ ዘይምሓዝ እንተ ተነጺሩ፡ ግን ከኣ እቲ ናይ ዑቕባ መስርሕክን እንተ ዘይተወዲኡ ናይ መድሕን ሂወት (ኢንሹራንስ) ምሉእ ብምሉእ ስለ ዘይብልክን፡ እቲ ወጻኢታት ናይ ምምሕያሽ ድቂ ዝግበር ሕክምናዊ ክንክን ዋላ እኳ ካብ መጠን ንላዕሊ እንተ ከበረ፡ ባዕልኽን ክትሽፍንኦ ክትግደዳ ኢኽን። ዋላ እውን ምሉእ ናይ ሂይወት መድሕን እንተ ኣለክን እውን ዝተወሰነ ገንዘብን ተጽዕኖን ባዕልኽን ክትስከምኦ ኣለክን።

ናይ ምፍራይ ድቂ ሕክምና ወይ ብናይ ሆርሞን ሕክምናዊ ኣገባብ ወይ ናይ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ወፈያ „ሰብ-ሰርሖ ድቂ“ (IVS und ICSI) ክሰላሰል ይከኣል።
እዞም ናይ donum vitae ኣማኸርቲ ድማ ኩሉ ሓበሬታ ብዛዕባ ተኽእሎ ድቂ ምሓዝ፡ ኣካላዊ መስርሓት፡ ዕድላትን ሳዕቤናትን እቲ ሕክምና ምኽሪ ክልግስልክን ይኽእሉ እዮም።

ድሌት ውላድ ዘይምርዋይ ኣብ ሂይወትክን ይኹን ምስ መጻምድትኽን ከቢድ ተጽዕኖ ከስዕበልክን ይኽእል እዩ። ብፍላይ ብቐሊሉ ክትጠንሳ ከምዘይትኽእላ ኣብ ትፈልጣሉ እዋን፡ ዝተፈላለዩ ስነ-የእሙራዊ፡ ኣካላዊን መንፈሳዊን ጸገማት ከምኡ ድማ ተስፋ ናይ ምቑራጽ፡ ምንዋሕ ትጽቢት፡ ጓሂ ፈጢሩ ኣብ ሓዳርክን ወይ ምስ መጻምድትኽን ብዙሕ ግጭት ከስዕብ ይኽእል እዩ።

ሓደ ካብቲ ንሕና ንህቦ ኣገልግሎት እምበኣር ኣብዚ ከቢድ እዋን እዚ ንዓኽን ኣብ ጎንኽን ኮይና ምስናይ እዩ። ግዜና ወሲድና ድማ ዘለክን ሕርቃን፡ ሓዘን፡ ቅንኢ፡ ብሰንከይ ዝብል ስምዒታትን ምሳና ክትዘራረባሉ ድሉዋት ኢና። ብተወሳኺ ድማ ብዛዕባ ትርጉም ውላድ ኣብ ሃገርክን ኮነ ብዛዕባ ጸቕጢ ስድራቤት ገምጊምና ካልእ ኣማራጺታት እንተሎ ነናዲ።