ኣብ እዋን ጥንሲ

ብሙልእን ደቀንስትዮ ኣብ እዋን ጥንሲ ዘሎ ግዜ ብዝሒ ለውጥታት ዝራኣየሉ እዋን ምዃኑ እየን ዝገልጻ። ንኣብነት ከም ቅድመ ደስታ፡ ተስፋ፡ ዝተፈላለዩ ሕቶታት፡ ጥርጥርን ሓደ ሓደ እዋን ድማ ጸገማትን ሕማማትን ንሰሙናት ወይ ንኣዋርሕ ኣብ እዋን ጥንሲ የጋጥመን እዩ። ኣብዚ ሃገር ብዙሕ ዘይጸናሕክን እንተ ኮይንክን ድማ ብዝያዳ ብድሆታት ናይ ጥንሲ ውሕስነት ከጋጥመክን ይኽእል እዩ።

ኣብዚ እዋናት እዚ ድማ ክንተሓባበረክን ድልዋት ኢና።
ዝኾነ ይኹን ሕቶታት ምስ ዝህልወክን ናብዘን ኣማኸርቲ ጥንሲ ዝኾና ወይ ዝኾኑ ኣባላትና መጺእክን ተወከሳ።

1. ልክዕ ካብ መጀመርያ ጥንስኽን ጀሚርክን መኣዛታት ዘለዎ መግቢ ክትምገባ ኣለክን። ነቲ ኣብ ከብድኽን ዘሎ ህጻን ከይትጎድኣ መታን፡ ኣብ እዋን ጥንሲ መስተ ዝበሃል ነገር ክትጥዕማ ከምኡ እውን ሽጋራ ከተትክኻ ኣይግባእን እዩ። ቅድሚ ዝኾነ ዓይነት መድሃኒት ምውሳድክን ድማ ሓኪምክን ክትውከሳ ይግባእ። ናይ ክንክን ጥንሲ ዝወሃብ ኣገልግሎት መርመራታት (ዳርጋ 10 ግዜ) ከምኡ ድማ ኡልትራ ሻል 3 ግዜ ክትገብራ ንላቦ። ኣብ እዋን ጥንስኽን ትተሓባበረክን ሄብ ኣመ (ኣሕራሲት) ብእዋኑ ክትረኽባ ፈትና። መብዝሕትኡ ግዜ እዘን ሄብ ኣመ ድሕሪ ሕርሲ እውን ኣገልግሎት ይህባ እየን። ኩሉ ሕክምናዊ ረዲኤትን ናይ ሄብ ኣመ ኣገልግሎት ቅድምን ድሕርን ሕርሲ ትኸፍላሉ ወላሓንቲ ነገር የለን።

2.ኣብተን ቀዳሞት ሰሙናት ክጽልኣክን ይኽእል እዩ። ንኣብነት ድኻም፡ ተምላስ፡ ቀጨውጨው ዘኣመሰሉ ነገራት የጋጥሙ እዮም። እዚ ዘጋጥም ምኽንያት ሰውነትክን ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ሓድሽ ለውጢ ክወሃሃዶ ስለ ዘለዎ እዩ። እታ ሄብ ኣመ ወይ ሓኪምክን ብዛዕባ እዚ ሓበሬታ ክህባኽን ይኽእላ እየን። ሰውነትክን ዘርእዮ ምልክታት ኣስተብህላሉ ኢኽን ከምኡ እውን እናሻብ ዕረፍቲ ኣዘውትራ። ብመሰረቱ ድማ ምውስዋስ ኮነ ንፋስ ምውሳድ ንጥንሲ ኣዝዩ ጠቓሚ እዩ። ከቢድ ነገር ከይተረዳኣክን ከይተልዕላ ተጠንቀቓ።

3. ኣብቲ ናይ መጀመርያ ሲሶ ዘሎ ናይ ጥንሲ እዋን ወይ ንቅድመ ሕርሲ ምርመራ (Pränataldiagnostik) ወይ ድማ ንሱ ንኸይግበረልክን ክትውስና ትኽእላ ኢኽን። ብእዋኑ ድማ ናይ ሕርሲ ምቅርራብ ኮርስ ረኺብክን ተሳተፋ። እቲ ክትሓራስሉ ትደልያ ቦታ ክትመርጻ ምስ ትደልያ፡ መታን ሓፈሻዊ ፍልጠን ውሕስነትን ክህልወክን፡ ብሄብ ኣመን ብክሊንክን ዝወሃብ ናይ ሓበሬታ ኣኼባታት ክትሳተፋ ትኽእላ ኢኽን። ኣበይ ከም ትወልዳ ባዕልኽን ክትመርጻ ትኽእላ ኢኽን።

4. ማሕበራዊ ኣገልግሎታት፡ ንኣብነት ሓገዛት ናይ ክዳውንትን ናይ ህጻን ናውቲ ኣቕሑን ዝምልከቱ ነገራት ምስ ዝተወሃበክን መንበሪ ወረቐት ዝተኣሳሰር ጉዳይ እዩ። ነዚ ዝምልከት እውን ኣብተን ኣማኸርቲ መጺእክን ሓበሬታ ውሰዳ። ኣብዚ ድማ ከመይ ጌርካ ናይ ግብረ ሰናይ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእላ ዝብል ሓበሬታ ክትወስዳ ትኽእላ ኢኽን። ንኣብነት ሃገራዊ ማሕበር ግበረ ሰናይ ኣደን ህጻንን (Bundesstiftung für Mutter und Kind)። በዓልቲ ስራሕ እንተ ኮይንክን ድማ ናይ ክንክን ኣደ፡ ክንክን ህጻን፡ ክፍሊት ኣደ ከምኡ እውን ናይ ወለዲ ግዜ ዝበሃሉ መሰላት ኣለውኽን።

5. ንውላድክን መሰረታውያን ናውቲ ክተዳልዋ ኣለክን። ንሳቶም ድማ ናይ ማማይ ዓራት ምስ ፍርናሻ፡ ሽንቲ ዘይኣትዎ መሸፈኒ መተርኣስ፡ ቀልቀል መጽረጊ ቦታ ምስ ናይ ፓምፐር መቐመጢኡ፡ መጉሓፊ ፓምፐር፡ መፍልሒ ማይ፡ መሕጸቢ ጨርቂ፡ ክልተ ባኮ ናይ ሓደስቲ ማማይ ፓምፐር፡ መዐቀኒ ረስኒ ተርሞሜተር፡ ክሬማ (ናይ መዓኮር ጨና፡ ህብሪ፡ ከሚምካል ዘይብሉ)፡ ናይ ቆልዓ ዓረብያ፡ ክዳውንቲ፡ 1-2 መደቀሲ ካሻ (ስሊፒንግ ባግ)፡ 1 ኮቦርታ፡ 5 ቦዲ ወይ ካናተራታት፡ 5 ምሉእ ክዳን ህጻን፡ 5 ማልያ ወይ ጎልፎ 2 ካልሲ፡ 1 ቆብዕ፡ 1-2 ጃኬት፡ ኣብ እዋን ዛሕሊ ከኣ Babyoverall።

መጥበዊ: 2 መጥበዊ ረጂን ከከም ኣድላይነቱ ከኣ መጥበዊ ጨርቂ (Stilleinlagen); ጥቡ ኣደ ዘይጠቡው እንተ ኮይኑ ድማ፡ መመገቢ ጥርሙዝ፡ 4 ጠራሙዝ መጥበዊ ቁጽሪ 1፡ መፋሕፍሒ ጥርሙዝ፡ 1 ባኮ ፓውደር ጸባ ማማይ። ብዙሓት ነገራት ብሕሱር ዋጋ ካብ ካልኣይ ኢድ ክትገዝኣ ትኽእላ ኢኽን። ሓደስቲ ክዳውንቲ ቅድሚ ምልባሶም ብዙሕ ግዜ ሕጸብኦ። እንተ ደኣ ኣብ ሃገርክን ካልእ ኣገባብ ኣተሓሕዛ ህጻን ተፈልጣ ኮይንክን ኣቐዲምክን ምስ ሄብ ኣመ ወይ ካልኦት ሙክራት ኣዴታት ተማኸራ ኢኽን።

6. ህጻንክን ይጠብው ድዩ ወይስ ብጥርሙዝ እዩ ጸባ ዝሰቲ ብዘየገድስ ንኣመጋግባ ህጻን ዝምልከት ዘድሊ ሓበሬታ ቅሰማ። ምጥባው ንህጻን ጥዕና ነደ ድማ ተፈጥረኣዊ እዩ። ጸባ ኣደ ኩሉ ንህጻን ዘድሊ መኣዛታት ብልክዕ ዓቐንን ዋዕን፡ ብዘይ ዝኾነ ክፍሊት፡ ወሃዮታት ህጻን ዘደልድልን ካብ ኣለርጂ ዝከላኸልን ነገር እዩ። ዋላ እውን ጸባ ጡብ ጌርክን ከተጥብዋ እንተ ዘይክኢልክን፡ ዘድሊ መኣዛታት ጌርክን ህጻንክን ክትምግባ ትኽእላ ኢኽን። ኣብ ጀርመን ኣዝዩ ምዕብል ዝኾነ ኩሉ እቲ ንዕብየት ህጻን ዘድሊ ረቛሒታት ዘማልእ ናይ ህጻናት ምግቢ ኣሎ። ነዚ ዝምልከት ምስ ኣማኻሪትክን ተዘራረባ።

7. ጥንስኽን ክቐርብ እንከሎ ናይ ህጻናት ሓኻይም ወይ ናይ ውልቂ ሕክምና ኣብ ጥቓኽን ኣናድያ። ምናልባት ኣብ ገሊኡ ብቛንቋኽን እውን ኣገልግሎት ይህቡ እዮም። ኣብቲ ሕክምና ድማ ናይ ክንክን መርመራታት (U2 – 3.-ክሳብ እቲ ህጻን 10. መዓልቲ ዝገብር U3 - 4. ክሳብ 5 ሰሙን ዝገብር) ክግበረሎም ይከኣል። እቲ ናይ ህጻን ሓኪምክን ከኣ ውላድክን ክሳብ ልዕሊ ዕድመ ዝኸውን ኩነታት ጥዕንኡ ይከታተል።

8. ሽዱሽተ ሰሙን ንሕርሲ ክተርፈክን እንከሎ እታ ናይ ክሊኒክ መኸዲ ቦርሳኽን ኣዳልዋኣ፡ ናይ ኣደ ካርድ፡ ናይ ውሕስነት ካርድ/ ክፍሊት ተቐባሊ ትካል ወረቐት፡ ናይ ክብረ መዝገብ ወረቐት፡ ናይ ቃል ኪዳን ምስክር ወረቐት፡ ቅያር ክዳውንቲ፡ ታሴራ፡ ካልስታት፡ ናይ መሕረሲ ክዳውንቲ (ማልያታት፡ ፕጃማ)፡ መተሓጻጸብን ክሬማትን ኣዳልዋ። ሃንደበታዊ ሕርሲ ምስ ዘጋጥመክን እንተ ነውሐ ሰልሰተ መዓልቲ ኣብ ሆስፒታል ትድቅሳ። ብመጥባሕቲ ምስ ትሓርሳ ድማ ተነውሐ ሓሙሽተ መዓልቲ ትቕንያ። እንተ ኣለክን ከኣ ወይ መስኣሊ ካሜራ ወይ ከኣ ሞባይል ተማልኣ መታን ናይ መጀመርያ ሰዓታት ውላድክን ብስእሊ ክትሕዝኦ።

9. ብወግዒ ዘይተመርዓዉ ጽምዲ ወለዲ ቅድሚ ሕርሲ ወይ ኣብ ማዛጋጃቤት ወይ ድማ ኣብ ዩገንድ ኣምት ከይዶም ናይ ተፈላጥነት ኣቦ ምስክር ወረቐት ከግብሩ ኣለዎም።

10. ኣብ እዋን ሕርሲ ቆልዑ እንተ ኣለውኽን መን ክከናኸኖም ከም ዘለዎ ተዳሊኽናሉ ጽንሓ። ከምኡ ድማ ናብ መሕረሲ ቦታ መጎዓዚ (ከም ታክሲ፡ ኣውቶብስ፡ መኪና ናይ ሰብ) መዲብክን ተቐረባ።

 

11. ኣብ መወዳእታ እዋን ጥንሲ እቲ እዋናት እንዳ ከበደ ኢዩ ዝኸይድ። ብዙሓት ጥኑሳት ከም ቀሓር፡ ሕማም ሕቖ ከምኡ ድማ ናይ ድቃስ ጸገማት የጋጥመን እዩ። ግን ተስፋ ዘይሙቕራጽ ድሕሪ ቁሩብ እዋን ውላድክን ኣብ ኢድክን ክትሓቕፍኦ ኢኽን። ዝኾነ ይኹን ቃንዛ፡ ሕማም ሕርሲ፡ ምድማይ፡ ዝኣመሰሉ ኩነታት ኣብዘይ እዋኖም እንተ መጺኦም ብቕጽበት ናብ ሓኪምክን ምኻድ ወይ ነታ ሄብ ኣመ ምድሃይ የድሊ።

በዚ ቁጽሪ ተሌፎን፡ 0800 40 40 020 ደዊልክን „ሓገዝ ን ጥኑሳት“ ምኽርን ሓበሬታን ክትረኽባ ትኽእላ ኢኽን። ኣብዚ ቁጽሪ ብ 17 ቋንቋታት 24 ሰዓታት ብነጻ ኣገልግሎት ምኽሪ፡ ኣድላይነት ምስ ዝህልዎ ብምስጢራዊ ኣገባብን ብውሕሱን ይወሃብ።

በዚ ኣጋጣሚ ኣብ እዋን ጥንሲ ኮነ ኣብ እዋን ሕርሲ ምሉእ ጥዕናን ዓወተን ንምነየልክን። ማሕተም ቤት-ጽሕፈት ኣማኸርቲ፡ ቀጺሉ ዘሎ ቆጸራ፡ መጽሓፊ ሓሳባት