ቅድሚ ሕርሲ ዝግበር መርመራታት:

ዳርጋ ኩሎም ህጻናት ኣብ ጀርመን ምስ ምሉእ ጥዕንኦም እዮም ዝውለዱ። ኣብ ግዜ ጥንሲ ኮነ ኣብ እዋን ሕርሲ ከኣ ውሑስን ብኽኢላታትን ክንክን ክግበረልክን ዝተመርጸ እዩ።

ስለዚ ድማ ኩለን ጥኑሳት ደቀንስትዮ (ዋላ እውን ሙሉእ ጥዕና ይሃልወን) ቀጻሊ ናብ ናይ ክንክን መርመራ ሓኪም ማለት ናብ Gynäkologin/ zum Gynäkologen ወይ ድማ Hebamme ይኸዳ።

ኣብዚ እዋን እዚ ሰለሰት ናይ Ultraschall መርመራታት ኣለክን።
እቲ ኣብ ከብዲ ዘሎ ህጻን ዝኾነ ጸገማት ከይህልዎ ክምርመር እንተ ደሊኹም ክምርመረልኩም ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም። እንተ ዘይደሊኹም ድማ ከምኡ ከይግበረልኩም ክትጠልቡ ትኽእሉ ኢኹም።

ብሓኪም ደቀንስትዮ ወይ Gynäkologin/dem Gynäkologen ከኣ ተወሰኽቲ መርመራት (Pränataldiagnostik) ክግበረልክን ተኽእሎ ኣሎ። እዚ መርመራታት ድማ ህጻን ኣብ ከብዲ ኣደ ከሎ ዝኾነ ጉድለት ወይ ሕማም ከይህልዎ ንምፍላት ዝዓለመ እዩ።
እዚ መርመራታት እዚ ንዓኽን ዘቕስን ወይ ውን ብኣንጻሩ ዘሻቕል ፍሉይ መርመራ ህጻን ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብቲ መርመራ ብተወሳኺ ክብደት ሕማም እቲ ህጻን ከመይ ምዃኑ ወይ ስንክልና እቲ ህጻን ክሳብ ክንደይ ምዃኑ ከይግምገም ይከኣል እዩ። ከምዚ ዓይነት መርመራታት ክትገብራ ወይ ከይትገብራ ምኽሪ ምስ ትደልያ ናባና ክትመጻ ትኽእላ ኢኽን (እቲ መርመራ ብዙሕ ክፍሊት ዘለዎ ክኸውን ይኽእል እዩ)።

ዝኾነ ጸገማት ኣብቲ ህጻን እንተ ተራእዩ፡ ኣብ ምድላው ሕርሲ ብጽዑቕ ንተሓባበረክን። ንስንክልና ዘለዎም ህጻናት ዝወልዱ ወለዲ ድማ ጠቐምቲ ዝኾኑ ሓበሬታታትን ናይ ደገፍ ቐረባትን ነእንግድ።
እቲ ኣብ ከብዲ ዘሎ ህጻን ድማ ዝበለጸ ክንክን ቅድሚ ሕርስን ሓገዛት ኣብ እዋን ሕርስን ክረክብ እዩ። ድሕሪ ሕርሲ ድማ ጽዑቕ ሕክምናዊ ረዲኤትን ብእዋኑ ዝጅመር ናይ ኣካላውን መንፈሳውን ምዕባለ ሓገዛት ይግበረሉ።

እንተ ደኣ ንምስዳድ ጥንሲ ከም ኣማራጺ ዘይተራእዩኩም፡ ነዚ ከቢድ ውሳኔ ክትምክታ ዝከኣል ደገፋት ንገብረልክን።